VigLink,

VigLink,

Monday 28 January 2013

Press Statement by Sheffield Eritrean Community, UK

http://bit.ly/VGTiMr


Press Statement by Sheffield Eritrean Community, UK

Press Statement by Sheffield Eritrean Community, UK


መግለጺ
ብዛዕባ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ለንደን ዝተገብረ ግዕዙይ ተግባር
ንሕና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ ሸፊልድ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሳውዝ ዮርክሸየር እንርከብ ኤርትራውያን፡ ካብ ካልኦት ስደተኛታት ዝፈልየና መለለይ እንተሎ ፡ኣኽበርቲ ሕግን ፈተውቲ ስራሕን ልዕሊ ኹሉ ከኣ ልዑል ሃገራዊ ፍቕርን ክብሪ ሃገርናን ህዝብናን እንውንን፡ ንኹሉ ሕግን ስርዓትን ናይዛ እንነብረላ ዘሎና ሃገር እነኽብርን ዝያዳ ኹሉ ድማ ነቲ ብመስዋእቲ ኣሽሓት መንእሰያት ዝተረኽበ ክብሪ ሃገርናን ህዝብናን ንምዕቃብ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ንዝወርድ በደላት ዘይንቕበልን ምእንቲ ክብረት ሃገርናን ህዝብናን፡ ሃገርና ካባና እትጠልቦ ንምምላእ ቅሩባት ከምዝኾናን ብውልቃዊ ረብሓታትና ከይተታለልና ረብሓ ህዝብናን ሃገርናን እነቐድም ብዝኾነ ይኹን ታህዲዳት ከይተሰናበድናን ብናይ ሓሶት ደሮና ከይተዓብሎኽናን ኣብ ናይ ቋሕ-ሰም ዘሎ ካልኢት ኣብ ጎኒ መንግስትናን ህዝብናን ሃገርናን ደው ብምባል ወትሩ ኣበርቲዕና እንሰርሕ ምሩጻት ዜጋታት ኤርትራ ኢና።
ንሞያናን ሃገራዊ ፍቕርናን ንምግላጽ ዘይኮነ ናይዚ ጽሑፍ ዕላማና፡ ነቲ ብዕለት 24 ጥሪ 2013 ብስም ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ብውሑዳት ሓላፍነት ብዘይስምዖም ኤርትራውያንን ገለ ወጻእተኛታትን ንዝተፈጸመ ኣነዋርን ልዕሊ ኹሉ ድማ ገበንን ንምኹናን ኢዩ። እዚ ዝተፈጸመ ገበን ንኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ሸፊልድ ብሓፈሻ ሳውዝ ዮርክሸየር ዘይውክልን ዘይኤርትራዊ ተግባርን ኣትሪርና ንኽንቃወምን ንፈጸምቱ ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ኣብ ምብጽሑን ንዝኾነ ኣብ ቀጻሊ ንክህሉ ዝኽእል ተመሳሳሊ ገበናት ከም ዘይንጻወርን ንምፍሻሉ ድማ ኣበርቲዕና ከም እንሰርሕን ንመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን ንህዝብን መንግስትን ኤርትራን ከምኡ'ውን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ንዝርከብ ኤርትራዊ ዜጋ ነዚ ብ24 ጥሪ 2013 ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ለንደን ዝተፈጸመ ዝኾነ ጣቋ ዘይብሉ ገበን ከም እንቃወሞን እንኹንኖን ደጊምና ነረጋግጽ።
ኤርትራዊ ኮሚኒቲ ሳውዝ ዮርክሸየርን ኤርትራውያን ኮሚኒቲ ኣሶሴሽን ሸፊልድን
https://fbstatic-a.akamaihd.net/rsrc.php/v2/y4/r/-PAXP-deijE.gif

No comments:

Post a Comment